ብሃይልሽ ምክትል ከንቲባን ሓለፊ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎትን

ፕሮጀክት ህንፀት መንገዲ ገጠር እ/ፃሕማ ዕ/ ዓርቢ ሐዚ ንምንታይ ተመሪፁ?
1. መበገሲ ሓሳብ

ህዝቢ እንዳባፃሕማ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ምስ ኣጋጠመ ካብቶም ቁልጡ ፍ መልሲ ዝሃቡ ከባብታት ሓደ እዩ። ንሰራዊትና ምንጪ ሓይሊ ሰብ ፣ ማእኸል መዋፈሪ ወታደራውን ፓለቲካውን ኣመራርሓ ብምዃን ናይ መኸተና ዓብይ ቤት ት/ቲ ኔሩ።

ፖለቲካዊ መድረኻትን ኣኼባታትነን ዝተጀመረሉ ኣጠቓላሊ ጉዕዞ ቃልስናን ናይ ቃልሲ ስልትና ግንዛበ ዝተፈጠረ ፤ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ኮይኑ ፈላማይ ዝዓበየ መድረኽ ምንቃሕ ህዝቢ ዝተኻየደሉ ከባቢ እዩ።

ፀላኢ ከምዚ ዝበለ ምትእስሳር መሪሕነት ደጀን፣ ግንባርን ህዝብን ስለዝተገንዘበ ድማ እቲ ምንቅስቃስ ከይጠናኸር፣ ተደጋጋሚ ወፍርታት ኣካይዱ። ተደጋጋሚ ውግኣት ድማ ተኻይዶም እዮም ። መቋረፂ ዘይብሉ ክባታት ኣካይዱ። ኣብ ህዝብና ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ፈፂሙ። ኣብ ከባቢ TVET ንፁሃት ዝጨፍጨፍሉ ኣብ ከባቢ ፀድያ ዝነበረ ውግእ ንጣብያ ዕ/ሓሙስ ሙሉእ ብሙሉእ ዘብረሰሉን።

ኣብዘን ከባቢታት እዚአን እቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነወ ንብረት ፣ ጥሪትን ሃፍትን ማእለያ ኣይብሉን ። ኹሉ ኣብ ሰብኣዊ ፣ ማተርያላዊን ሃፍትን ህዝብና ኣብሪሶምዎ። ይኹን እንበር ህዝቢ እቲ ከባቢ ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ መሪሕነቱ ብምዃን በዚኦም ኣይትሰኮነን ። እኳ ደኣስ ዝያዳ ሓረነ ። ዝያዳ ንክቡር መስዋእትነት ተዳለወ ። ብውፂኢቱ ድማ ህዝባዊ መኸትኡ ንምዕዋት ካብዙ ትፅቢት ዝግብር አወፈየ ። ምንጪ ዘይነፅፍ ሓይሊ ሰብ ኮይኑ።

ኣዶ ምም/ር ከተማና መዓንጠኣ ኣሲራ ንመኸተ ትግራይ ዝኽፈል መስዋእቲ ክትከፍል ወሲና ፍርያት ማህፀና ዝኾኑ ውሉዳ ሓደ ብሓደ እንዳወፈየት መስርዕ ገሊ ከይዛሪ መሊኣ። ክባር ዋጋ ብምኽፋል መኸተና ኣብዚ ደረጃ ንኽበፅሕ ገይራ ።

ብድምር ብሑደር ቂም ዝተኣኻኸቡ ሓይልታት ፅንተት ኣብ ህዝብና ከቢድ ዕንወትን ብርሰትን ኣብፂሖም። ንቐፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ከቢድ ገበን ጀኖሳይድ ተፈፂሙ ከቢድ ዋጋ ከፊልና።

ከም ምሕዳር ከተማ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖምያው ከቢድ ጉስቁልና ኣስዒቡ። ኣብ መንገድን መጉዓዝያን፣ ጥዕና ትካላት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሕርሻን፣ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ናብ ዜሮ ተመሊሱ። ሐዚ ብመንግስቲ ዓቕሚ ተመጣጢርካ ክዕበስ ናብ ዘይኽእል ብርኪ በፂሑ። ተመሊስካ ንምልዓል ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ።
II. ህንፀት ፕሮጀኽት መንገዲ 4 ገጠር ጣብያ ነቐድም።
1. 4 ጣብያታት ምም/ወረዳና ምስ ማእኸል ወረዳ ዘራኽብ ፅርግያ ኣይብለንን። ነዚ ሲዒቡ፦
1.1. ትማሊ መዓንጠኣ ኣሲራ ንመኸተ ትግራይ ዝኽፈል መስዋእቲ ንምኽፋል ፍርያት ማህፀና ዝኾኑ ውሉዳ ሓደ ብሓደ እንዳወፈየት መስርዕ ገሊ መሊኣ ክባር ዋጋ ብምኽፋል መኸተና ኣብዚ ደረጃ ዘብፀሐት ኣዶ ብሰንኪ ሕፅረት ፅርግያ ኣብ ሕክምና ከይበፀሐት እንትትጠልም ሪኢኻ ትጉሂ።
1.2 ናብ ሕድ ጣብያ ክባፃሕ ዝደለ እታወታት፣ ድጋፍ ገበርቲ ሰናይ ብእዋኑ ክባፃሕ የፀግም ኣሎ። ኣብ ገበርቲ ሰናይ ድማ መኪና ናብ ዘይኣትዎ ክትኣቱ ዘይምድላይ ኣሎ።
1.3 ሓረስታይ ዘፍረዮ ምህርቲ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ናይ ዕዳጋ ጠለብ ንምምላእ ናይ መ ምሻጥን ዓቕሙ ንምዕባይ ዕንቕፋት ይፈጥር።
1.4 ብሰንኪ ናይ ፅርግያ ፀገም ህዝቢ ናብ ማእኸል ወረዳ መፂኡ ብእዋኑ ግልጋሎት ንምርካብ ይፅገም።
1.5. ብቐሊሉ ሓፋሽ ንምንቃሕ፣ ንምውዳብ፣ ናብ ልምዓቱን ስራሕቱን ንምውፋር ብቐረባ ንምድጋፍን ፀገማቱ ንምፍታሕን ይኸብድ ኣሎ።
1.6 ኣብ ፀጥታ ብፅሑለይ ፃዊዒት ንህዝብና ብእዋኑ ክንበፅሐሉ ኣይከኣልን፣ ከባቢና ኣደዳ ሰረቕትን ክትራንን ኮይኑ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝብና መገዛ ዓዱ ስኣን መሰረተ ልምዓት ወፊሩ ምእታው ይስእን ኣሎ፣
1.7 ስኣን መንገዲ ፅርግያ ዘይምህላው ዘለና ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፀጋም የማን ወሓዝቲ ሩባታት ናብ መስኖ ለሚዑ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ሓረስታይና ተሸጊሩ ወፃኢን ኣታዊን ከይተገናዘበ ብርካሽ ዝሸጠሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ ክብ ድኽነት ክነላቕቖ ኣይከኣልናን ፡
II. እሞ ሐዚ ደኣ እንታይ ንግበር ኢና ንብል ዘለና?
4ቲአን ጣብያታት ምም/ወረዳና ምስ ማእኸል ወረዳ ብፅርግያ ነራኽበን። ክነራኽበን እንተኾይና እንታይ ሃፍቲ ንጠቐም? ከመይ ንጠቐም? ተጠቃሚ ህዝቢ ከመይ ብዓል ዋና ንገብሮ? ዲያስፖራ ተወለድትን ፈተውትን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ከመይ ሞቢላይዝ ንግበሮ ዝብል ግልፂ ኣጠማምታ ክተሓዘሉ ይግባእ። ብመሰረት እዚ ዝተትሓዘ ኣንፈት፦
1. ተረባሕን ክባር ዋጋ ዝኸፈለን ህዝብና ብዓልዋና ንግበሮ ዝብል ዝዓበየ መትከል ናይዚ ፕሮጀኽት እዩ። ብንዋት፣ ብጉልበት፣ ብመንፈስ ተመጣጣኒ ብፅሒት ክሕዝ ክግበር እዩ ተታሒዙ ዘሎ። በዚ ደረጃ እዩ ሞቢላይዝ ተገይሩ ዘሎ።
2. ኣበራርሓ ወረዳ ናይ ሞቢላይዜሽን ስራሕ ጥራሕ ይወስድ ዝብል እዩ። ኣብ መንጎ ህዝቢ፣ ተወለድቲ ዲያስፖራን ፈተውትን ዘይመንግስታዊ ትካላት ስጡም ርክብ ስራሕን ግልፅነትን ናይ ምፍጣር ብፅሒት ክወስድ ምግባር። ብተመሳሰሊ ጠለብ ህዝቢ መስ ላዕለዋይ መንግስትን ብምርኻብ መንግስቲ ክምልኦ ዝግባእ ነገር ክምልእ ዓብይ መደላድል ኮይኑ ይሰርሕ። ነቲ ፕሮጀክት ዝመርሓ ካብ ህዝቢ ዝተወከሉ ኮሚቴታት ብስርዓት ክመርሑ፣ ክቆፃፀሩ፣ ሃፍቲ ከምሓድሩ ክግምግሙ ሙሉእ ነፃነት ሂቡ ይከታተል። ዓቕምታት የተኣኻኽብ፣ ግልፅነት ይፈጥር ሙሉእ ሓላፍነትን ንወከልቲ ህዝቢ ኮሚቴታት ይህብ። ፀጥታዊ ጉዳያት ብፅኑዕ ዲስፕሊን ምክትታልን ምትግባርን ይኸውን። ክሳብ ሐዚ ስቪል ሰርቫንትና ሞቢላይዝ ገይር ኣለና።
3. ብፍላይ ዓቕምታት ናይዚ ፕሮጀክት ማለት ዲያስፖራ ተወለድቲ፣ ፈተውትን ደገፍትን ኣብዙርያ እዚ ግልፂ ኣጠማምታ ክሕዙ ይግባእ። ረኺብናዮ ዘለና ናይ ማሽናት ዕድል ንቐፃሊ ዘይርከብ ዕድል እዩ። እዚ ዕድል ሐዚ ሸተት ኢላ እንተሓሊፋ ተመሊሳ እትርከበሉ ዕድል ዕፅው እዩ። ካብዚ ተበጊስና ዕድላትና ፀንቂቕና ክንጥቀምን ህዝብና ተረባሒ ክኸውን ከም ወትሩና ዝከኣለና ክንገብር ይግባእ።
ሰላም።
