Traffic Pattern Changes on Endaba Tsahma
ፃውዒት ህዝቢ እንዳባፃሕማ (ሰኣን መንገዲ…) ስኣን መንገዲ መኪና ናብ ሕክምና ዘይኸዳ ኣዴታት ይበዝሓ፣ ተምሃሮ ክመሃሩ ይፅገሙ እሞ የቋርፅዎ፣ ሓረስቶት ዝርካቦም ፍርያቶም ብእዋኑ ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ኣይኽእሉን – ኣብ እንዳባፃሕማ። ካብ ቀደሞም እውን ብግዝያዊነት ዝተሰርሑ መንገድታት ሕዚ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ምስኮኑ ህዝቢ እንዳባፃሕማ ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከብ። ህዝቢ እንዳባፃሕማ “መንገዲ ክዕረየለይ እዩ” ብዝብል ተስፋ ክሳብ ሕዚ ፀኒሑ ግና ሕዚ እውን ተፀጊሙ ኣሎ። እዚ ህዝቢ ሕዚ ግና ዓቕሚ ንዘለዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ኮነ ውሸጢ ዓዲ ንዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ከባቢን ካልኦት ግዱሳት ተጋሩን “ብፅሑለይ” ይብል ኣሎ። ምኽንያቱ ዘለናሉ እዋን ፀገማት ማሕበራዊ ልምዓት ብኸምዚ እዮም ክፍትሑ ዝኽእሉ። ብመሰረት እዚ ግቡእ መፅናዕቲ ብምክያድ ካብ ነጋዶ፣ ምሁራት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ተጋደልቲ፣ ካብ ምምሕዳር ዝተወከለን ወዘተ ዓብዪ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣሎ። እቲ ዓብዪ ኮሚቴ በዓል ዋንኡ ህዝቢ፣ ኣመራርሕኡ ካብ ህዝቢ ክይኑ ካብ ፖለቲካ ናፃ ዝኾነ እዩ። ስለዝኾነ፣ ብሰለስተ ዙር ዝስርሑ ግዘ ዘይህቡ ዝተበላሸዉ መንገድታት ቸነፂሮም ኣሎው። ጠቕላላ ኣብዚ ፕሮጀክት ተጠቓሊሉ ዝስራሕ ንውሓት መንገዲ 104 ኪሎ ሜትር እንትኽን ገዚፍ በጀት ይሓትት። እቲ ክፅገን ተታሒዙ ዘሎ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ መንገዲ ፅርግያ ብዝርዝር እንትርአ :-
ቀዳማይ ዙር (ኣብ ማይ ጨቐምጠ ኮይኑ 15 ኪ/ሜ፣ ካብ ማይ ኣበባ ንሕብረት 25 ኪ/ሜ) ንውሓት ዘለዎም፣
ካልኣይ ዙር (ካብ ዓዲ ሽምብዕሎ ናብ ሰርዐ 11.5 ኪ/ሜ፣ ኣብ እንዳጭዋ ከዓ 10.5 ኪ/ሜ ንውሓት ዘለዎም)፣
ሳልሳይይ ዙር (ኣብ ሃገረ ሰላም 11 ኪ/ሜ፣ ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ፀድያ ክሳብ ዓረና ፃኢ ከዓ 31 ኪ/ሜ ኮይኑ ብድምር 104 ኪ/ሜ ንውሓት ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ውስጢ ከዓ ኣብ ዓሚዩቕ ውሕጅ ዝኸደሉ ቦታ ዝስርሑ 19 ፎርድታት ክስርሕሉ እዮም።
Share
ፃውዒት ህዝቢ እንዳባፃሕማ (ሰኣን መንገዲ…) ስኣን መንገዲ መኪና ናብ ሕክምና ዘይኸዳ ኣዴታት ይበዝሓ፣ ተምሃሮ ክመሃሩ ይፅገሙ እሞ የቋርፅዎ፣ ሓረስቶት ዝርካቦም ፍርያቶም ብእዋኑ ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ኣይኽእሉን – ኣብ እንዳባፃሕማ።
Last modified: July 3, 2024
Edaga Arbi Town • Tigray, Between Mekele and Adwa Road.
Phone: 251+251 913 589099• Monday – Friday,
8:00 am – 6:00 pm(2AM-12Pm Local)