Blog

ሓፂር መበገሲ ትልሚ (Action Plan) ፅገና መንገዲ ፅርግያ ኣብ ምም/እ/ፃ/ከ/ዕ/ዓርቢ ዝርከባ ኣብ7ተጣብያታት፡-
መእተዊ
ካብቶም መሪር ጀኖሳይድ ዝተፈፀመሎም ህዝቢ ትግራይ ሓደ ህዝቢ እ/ፃሕማከተማዕ/ዓርቢከም ዝኾነ
ኣይኮነን ህዝቢ ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈለጦ ግሁድ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ህዝብን ምምሕዳርንእ/ፃሕማ ከተማ ዕ/ዓርቢ ዝበፅሖ ጥቕዓትን ፅንተትን ዕንወትን ሲዒቡ ሐዚ ህዝብና ዳግምጀኖሳይድይፍፀመሉኣሎ ብፍላይ ድማ 7ተ ጣብያታት ሓጋይን ክረምትን መንገዲ ፅርግያ ዘይብሉ ብርክት ዝበላ ኣዴታትን ህፃናትንሂወተን ይስእና ኣለዋ፣ ኩናት ዝፈጠሮ ሳዕቤን ኣብ ፀጥታ ብፅሑለይ ፃዊዒት ንህዝብና ብእዋኑ ክንበፅሐሉኣይከኣልነን፣ ከባቢና ኣደዳ ሰረቕትን ክትራንን ጎበዝ ኣድርን ኮይኑ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝብና መገዛ ዓዱስኣንመሰረተ ልምዓት ወፊሩ ምእታው ይስእን ኣሎ፣ ስኣን መንገዲ ፅርግያ ዘይምህላውዘለና ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፀጋም
የማን ወሓዝቲ ሩባታት ናብ መስኖ ለሚዑ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ሓረስታይና ተሸጊሩ ወፃኢን ኣታዊን ከይተገናዘበብርካሽ ዝሸጠሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ ክብ ድኽነት ክነላቕቖ ኣይከኣልናን ፡፡ ብድምር ወረዳናን ህዝብናንቅድሚ
ወራር ይኹን ድሕሪ ወራር መሰረተ ልምዓት ዘይብሉ ነዚ ግዜ ዘይምጥን ከርፋሕ መነባብሮ ዝረአየሉንክኽፈል
ዘይግበኦ ሂወት ዝኸፍል ዘሎ እቲ ጀኖሳይድ ሐዚ እውን ኣብ ህዝብና ይቕፅል ብምህላውበዚመሰረትጌርናኣመራርሓ ምም/እ/ፃ/ከ/ዕ/ዓርቢ መፍትሒ ይኸውን እዩ ዝበልናዮ ምስ ህዝብና ዘቲና መፍትሒኣንፈታትንኣገባብ ኣፈፃፅማን ዝስዕብ መበገሲ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡
ዕላማ
ህዝቢን ምም/እ/ፃ/ከ/ዕ/ዓርቢ ምስ ካልኦት ተወለድትን ደገፍትን ፈተውቲ እ/ፃሕማዝኾኑ ኣብ ወፃኢን
ውሽጢ ዓዲን ምስ ዘሎ መላእ ህዝብና ብሓባር ብምኻን ፀገም ትራንስፖርት ህዝብና ብምፍታሕናይ ፀጥታ
ድሕንነትን ተረጋጊፁ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ናብ ዜሮ ዝኾነሉ ተግባር ም/ስ ዝዓለመእዩ፡፡
ራዕይ
ኣብ 2017 ኣ/ግ 7ቲኤን ናይ ገጠር ጣብያታትና ብመንገዲ ፅርግያ ተፀጊነን ህዝቢና ናይ ጥዕናን ፀጥታን ተጠቀምቲ
ኮይነን መነባብሮ ህዝብና ተመሓይሹ ምርኣይ እዩ፡፡

ኣንፈት ኣፈፃፅማን ዝህልውና መደባትን ዕማማትን፡-
I. ካብቲ ዝቕፅል ዘሎ ሰላሕታዊ ፅንተት ጀኖሳይድ ህዝብና ንምድሓን ኩሉ ህዝብና ካብ ሕድ ሕድ መራሒ
ስድራ ሃፍታም ይኹን ድኻ መበገሲ 1000 ብር ከዋፅእን ምስ መሃዲሳት ኮይኑ ድማ ንማሽናትዘፅገመ
ብጉልበት ዝስራሕ ክሰርሕ ሙሉእ ምትእምማን ተበፂሑ ኣብ ትፅቢት ይርከብ፣ ኩሉ መንግስቲሰራ;ተኛናካብ መሃያኡ 10% ኣብ ክልተ ወርሒ ክኸፍል ምስ ምላእተ ህዝብናን ሰራሐተኛናን ምትእምማንበፂሕናሰራሕ ጀሚርና ኣለና፡፡ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን እቲ መድሕን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ጀግና ሰራዊትና(TDF) ኩሉ
ዓይነት ማሽናት፣ ዶዘራትን ደግደግቲን ካልኦት ነቲ ፅገና መንገዲ ኣይድለይቲ ዝበሃላ ዓበይቲ መካይንንመሃንዲሳት ሰብ ሞያን ነዚ ወናም ተቓለሳይ ህዝቢና ይግበኦ እዩ ብዝብል ብመሪር ኣገላልፃ ብላዕለዎት
መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ተፈቒዱልና እተን ማሽናትን ዶዞራትን ናብ ወረዳና ንምምፃእ ካብ ዝተፈላለየ
ከባቢታት ም/ስ ጀሚረን ኣለዋ ህዝብና ድማ ዝነበሮ ፃምእ መሰረተ ልምዓት ይፍተሐልና ኣሎብዝብል
ዕልልታን ጭብቸባን ጭርሖታትን ብምድላው ልዑል ሕራነ ፈጢሩሉ ይርከብ፡፡ብዋናነት ነዚ ዘፈፅሙካብ
ዓበይቲ ዓዲ፣ ነጋዶን መ/ሰራሕተኛን ተወከልቲ ህዝቢን ዝተውፃእፅኡ ዓብይ ኮሚቴ ተጣይሹ ስራሕጀሚሩ
ኣሎ፣ ኣብቲሕቲ ዓብይ ኮሚቴ ድማ ናይ ዝተፈላለዩ ሞታት መሬት፣ ኮ/ሽን ቤት ምኽሪ፣ ፀጥታን ፖሊስንፍትሒን ብሓፈሻ ቴክኒካል ኮሚቴ ኣብ ምጥያሽ ንርከብ፡፡ ስለዚ ኩሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ህዝባዊ ኣካል
ዝከኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይከኣል እውን ከም ዘይከኣል የለን ዝብል መንፈስ ሒዙ ናብ ተግባር ስራሕንምእታው ኣብ ምርብራብ ከምዘለና ምርዳእ ይከኣል እዩ፡፡

II. ተታሒዙ ዘሎ ፅገና መንገዲ ፅርግያ ብ3ተ phase ተመቒሉ፣ 1ይ phase (ማ/ጨቐምጠ15 ኪ/ሜ፣
ማ/ኣበባ ንሕብረት 25 ኪ/ሜ)፣ 2ይ phase (ዓዲ ሽምብዕሎ-ሰርዐ 11.5 ኪ/ሜ፣ እ/ጭዋ10.5 ኪ/ሜ)፣ 3ይ phase (ሃገረ ሰላም ብግምት 11 ኪ/ሜ፣ ዕ/ሓሙስ ፀድያ ክሳብዓረናፃኢ31 ኪ/ሜ ዝስራሕ ብድምር 104 ኪ/ሜ ዝፅገን ኮይኑ 1ይን 2ይንphase ኣብ ወርሒ ሰነ፣ሓምለንነሓሴን ዝጠቓለል ይኸውን፣ 3ይphase ድማ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ዝጠቓለል እዩ፡፡

III. ነዚ ዘድሊ መስርሒ ማተርያል ድማ ነተን ሰራዊትና ዝፈቐደልና ማሽናትን ዶዘራትን ካልኦትንዝውዕልንነዳዲ መዕደጊ ጥራሕ ብገንዘብ 45‚472‚931 ብር (ናብ 46 ሚልዮን ዝፅጋዕ ገንዘብወፃኢ
ዝሓትት ምኻኑ)፣ ቴንዲኖ ብዓል 10 = 21፣ ብዓል12 =17 ድምር 38 ቴንዲኖ ብዓይነት፣ 55 ኩ/ልስሚቶ ምስመንድቕ፣ ጠቕላላ ዘድሊ ፎርዲ ኣብ ጣብያ ማይ ጨቐምጠ 5ተ ፎርዲ፣ ሕብረት 3ተ ፎርዲ፣ሰርዐ 3ተ ፎርዲ፣ እ/ጭዋ 3ተ ፎርዲ፣ ማእኸላዊ 5ተ ፎርዲ፣ ብድምር ዘድሊ ፎርዲ=19 ኮይኑ ንሓደፎርዲ ዘድሊ ማተርያል ፀፀር 4ሜ3፣ ሑፃ 3ሜ3፣ ስሚንቶ 45 ኩ/ል ምስ መንድቕ(19X45= 855 ኩ/ል ካብ መሰቦ ስሚንቶ ብምትሕብባር) ብድምር ንሓደ ፎርዲ ዘድሊ በጀት 163‚794.60 ብር፣ንጠቕላላ 19 ፎርዲ ዘድሊ በጀት 3‚112‚097.40 ብር ኮይኑ ብጠቕላላ ኣብ 1ይን 2ይን phase
ንናይ ነዳዲ ዕድጊት 45‚472‚931 ብር፣ ንማተሪያል 3‚112‚097.40 ብር =48‚585‚028.40 ብር ኣብዚ 1ይን 2ይን phase ጥራሕ ብገንዘብን ማተሪያላትን ዝሓትት ኮይኑ ኣብ
ውሽጥን ወፃኢን ዝርከቡ ፈተውቲን ደገፍትን ህዝቢናን ካብ ናይ ገበርቲ ሰናይን ናይ ልምዓት ትካላትናን
ዝምልከተኩም ኣካላት እናተራኸብኩም ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ነቲ ሕጋዊ ኮሚቴ ኣወንታዊዝኾነ ግብረመልሲ ክትህቡን ነቲ ወናም ተቓለሳይ ህዝብኹም ብእዋኑ ክትበፅሕሉን ካብ ሰላሕታዊፅንተትን ሞጥን
ድኽነትን ክተድሕዎን ሰብኣዊ ሓላፊነትኩም ክትዋፅኡን ምም/እ/ፃ/ከ/ዕ/ዓርቢን እቲ ዝኣምነኩም
ህዝቢኹምን ብልዑል ወነን ሕራነ ይፅወዐኩም ኣሎ ፡፡

IV. ኣብዚ ክገጥሙና ዝኽእሉ ማሕንቆታትን መፍትሒታትን ፡- ኣብ ሃፍቲ ምትእኽኻብግዜምጉታት ብፍላይካብ ዝተፈላለዩ ትካላትን ገበርቲ ሰናይን፣ እኹል ዝኾነ ነዳዲ ኣብ ዝቐረበ ማድያታት ዘይምርካብን ፍቓድ
ዘይምሃብን፣ እዙይ ንምፍታሕ ኩሎ ዝምልከቶ ኣካል ካብ ወረዳ ጀሚሩ ክሳብ ክልልን ዞባን ብዓል ዋና
ኮይኑ ብልዑል ወነን ሕራነን ክጋደልን ቅድሚያ ትኹረት ሂቡ መፍትሒ ከቕምጠሉን ህዝቢና ብመንገዲ
ፅርግያ ምስ ወረዳን ጣብያን ዝራኸባሉን ከምኡ እውን እኹል ግልጋሎት ማሕበራዊልምዓት ዝረኽበሉንካብ ድኽነት ዝናገፈሉን ኩነታት ኣብ ሓፂር ግዜ ክንፈጠር ክንረባረብ ይግባእ፡፡

V. ፅማቕ መጠቓለሊ ሓሳባትን መደምደምታ ሪኢቶን፡- ኣብ ፅገና መንገዲ ፅርግያ ህዝብና ኩሉ ዓይነት ዝኽእሎን ዘይኽእሎን ክሰርሕ ዘለዎሃፍተ-ገነቱከውፍንብጉልበቱ ክሰርሕን ኣብ ሙሉእ መደምደምታ በፂሑ ይርከብ፡፡ ንሕና ስለህዝቢ እ/ፃሕማ እንጭነቕን እንሕለቕን ኣብ ውሽጢን ወፃኢን እንነብር ዝምልከተና ኣካላት ፈተውትን ደገፍትን ተወለድትን እ/ፃሕማ፣ናይ ልምዓት ትካላትን ኣብ ዚ ናይ ህዝብና መድሕን ዝኾነ ወሳኒ ግጥምፅገና መንገዲ ፅርግያ ብዝለዓለወነን ሕራነን እንኽእሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይንኽእሎ እውን መጀመሪያ ብኣተሓሳስባ ካብ ኣተሓሳስባናብ
ተግባር ምውፋይን ንጎኒናን ንቕድሚትናን እንፈልጦም ዓበይቲ ሰባት ብምርካብኩሉ እጃምናብግዜ
ሰለጤንን ፅሬትን ክትድግፉና ከም እትኽእሉ ጥርጥር የብልናን፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይዘለዋናይ
ልምዓት ትካላት፣ እትፈልጥዎም ዓበይቲ ገበርቲ ሰናይን ለገስቲ ኣካላትን ብመልክዕ ቴሎቶንንኣኼባን
ኣተሓባቢርኩም ነቲ ተታሒዙ ዘሎ ሽቶ ንምዕዋት ግዜኹምን ጉልበትኩምን ፀንቂቕኩም ብምጥቃም ኣብ
እዋኑ ክትበፅሑልና ደጊምና ደጋጊምና ፃዊዕትና ነቕርብ ፡፡

ዘለኣለማዊ ክብሪን ሞጎስን ንናይ ሎሚን ናይ ትማሊን ሰማእታትና !!!
ምም/እ/ፃ/ከ/ዕ/ዓርቢሰኔ/2016 ኣ/ግዕ/ዓርቢ

2 Replies to “ሓፂር መበገሲ ትልሚ (Action Plan) ፅገና መንገዲ ፅርግያ ኣብ ምም/እ/ፃ/ከ/ዕ/ዓርቢ ዝርከባ ኣብ 7ተጣብያታት፡-”

  1. Solomon Abrha says:

    ንኹልኹም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከቡ ተወለድቲ እንዳባፃሕማ ኣብ ልምዓት ከባቢኹም ተታሒዙ ዘሎ ፕሮጀክት ፅገና ህንፀት መንገዲ ገጠር ጣብያታት ተጊህኹም ብፅሒትኩም ንምብርካት ዘርአኽሞ ቁሩብነት ብሽም ህዝብኹምን ምም/ር ከተማናን ካብ ልቢ ነመስግን ክብረት ይሃበልና። ኣብቲ ናይ ሓባር ስራሕ ኣድለይነትን ቀፀልቲ ዕማማትናን ኣብ Zoom ዝገበርናዮ ዘተን ምርድዳእን ዕውት ግልፅነት ፈጢርና ኣለና። እቲ ፕሮጀክት ዕውት ንክኾን ጥብ ዝበለት ሓገዝ 100% ውፅኢታዊ ኣጠቓቕማ ንክህልዎን ከም ከምዝምራሕን ድማ ክነረጋግፀልኩም ንደሊ። ኣብ ቀፃሊ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ተራኺብና እናዕሞቕናዮ ክንከድን ክንራኸብን ሰብ ሙሉእ ተስፋኢና።
    ሰላም!!!

  2. ገብረሂወት ገብረየሱስ says:

    እቲ ጅማሮ ፅቡቅን ወሳንን እዩ፧ ወይኩን እምበር ሃፍታም ወይኩን ኢድካ 1000 ብር ንክኸፍል ምውሳነ ግን ኣይተውሓጠለይን::
    ካልኣይ
    ንኩሉ መንግስቲ ስራሕተኛ ኣካብነት መሃይኡ 10% ንክህብ ተስማዕሚዑ ዝብል ውን ስክፍታ ኣለኒ። ብዝተረፈ ግን ቀፅልሉ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Close Search Window