Blog, Citizens, Town News

ሰላም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከቡ ተወለድቲ እንዳባፃሕማ፦ ከምቲ ዝፍለጥ ታሪኽ ህዝቢ እንዳባፃሕማ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በሪኽ ስፍራ ሒዙ ዝርከብ ሞዴል  ቤት ትምህርቲ ጉዕዞ ቃልሲ ትግራይ እዩ። ብፍላይ ድማ  ኣብ ክልቲኡ ወያነታት ትግራይ ክባር ዋጋ ዝኸፈለን ብውፅኢት ቃልሱ ንመፃኢ ወሎዶታት መሰረት ዝኸውን ገዚፍ ውርሻ ዘሕለፈን ህዝቢ እዩ። ህዝቢና ኣብ በቢ ምዕራፍ ቃልሱ ዝገጠምዎ ፈተናታት ሲዒቡ ገዚፍ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖምያውን ፖለቲካውን ጉስቅልና እናጋጠሞ ዝመፀ ህዝቢ እውን እዩ። ብፉሉይ እንተሪኢና ድማ ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ 2013 ኣ.ግ ብዝወልዕዎ  ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ምምካት ልዑል ብፂሒት ከም ዝነበሮን ብኣንፃሩ ድማ ገዚፍ ሃሰያ ከም ዘስተኣናገደን ይዝከር። ንሰራዊት ትግራይ ምንጪ ሓይሊ ሰብ ኮይኑ፣ ማእኸል መዋፈሪ ወታደራውን ፓለቲካውን ኣመራርሓ ኮይኑ፣ ናይቲ መኸተ ብልሒ ጫፍ ብምኳን ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ናይ ኣይግዛእን እምቢታ ገቢራዊ ገይሩ ንፀላኢ ሰንሰን ክብል ዝገበረ ሀዝቢ ምዃኑ ናይ ትማሊ ተዘክሮና እዩ። እዚ ብልሒ ምትእስሳር ደጀን ግንባርን ኣይምብረከኽን ብሃላይነትን ዝተረደአ ፀላኢ ድማ ነቲ ምንቅስቃስ ከይጠናኸር ፣ ተደጋጋሚ ወፍርታትን ውግኣትን፤ መቋረፂ ዘይብሉ ክባታት ኣካይዱ ኣብ ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ፈፂሙ። ኹሉ ኣብ ሰብኣዊ ፣ ማተርያላዊን ሃፍቲ ህዝብና ኣብሪስዎ። እምበኣርከስ ብኹናት ዝዓነወን መንግስቲ ኣብ ዘይመለኦን ጠለባት ህዝቢ ንምምላእ ተወለድቲ ዓዲ ውሽጥን ወፃእን ኣተሓባቢርካ ንምስራሕ ዝተጀመረ ምንቅስቃስ ናብ ብልሒ ሰጊሩ መሰረታዊ ፀገም ህዝቢ ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ልዑል ርብርብ ፤ በቲ ዝተሓሰበሉ ደረጃ ይሳለጥ ከምዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ብወገን ምም/ር ከተማ ድማ ጥብ ዝበለት ሓገዝ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ቀይርና ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክነውዕሎን ብፍላይ ድማ ተጀሚሩ ዘሎ ፕሮጀኽት ህንፀት መንገዲ ገጠር ማሽናት ብእዋነን ክመፃ፣ ነዚ ብሮጀክት ዝመርሑ ወከልቲ ህዝቢ ኣወዳድባታት ኣብ ምዝርጋሕ፣ ተዋፀኦታት ብፅሒት ህዝብን መንግስቲ ሰራሕተኛን ኣብ ምምራሕ ህዝባውን መንግስታውን  ርክባት ኣዋዲድና ኣብ ምስራሕ ኣብ ምርብራብ ንርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ተግባራዊ ስራሕ ከም እንሰርሕ እንትንገልፅ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከቡ ተወለድቲ እንዳባፃሕማ ህዝባዊ ውግንናኹም ብተግባር እናርኣኹም ኢኹም እሞ ሞሳኹም ከየዕበርና ንልግስኹም ናብ ተግባር ቀይርና ኣብ ረብሓ ህዝቢ ከም እነውዕሎ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፀልኩም እደሊ። ክብረት ይሃበልና!        ” ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና”
 
Hailay G/tnsae Deputy Mayor and 
Endabatsahima Public Service Sector Head

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Close Search Window