Blog

 1.ስራሕቲመንገዲዝምልከት [Technical report]

  • ማይጨቀምጠ = ጠቅላላ ዝተሰረሐ ንውሓት መንገዲ 15 ኪ/ሜ ናይ መሬት ቆረፃ(excavation) ዝተሰረሐ ኮይኑ ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ዝተሰረሐ መፋስስ ወይ dich 11 ኪ/ሜ፡ side sliop 11 ኪ/ሜ፡back slop 11 ኪ/ሜ ዝተሰረሐ ኮይኑ ንዙይ ንምስራሕ ዝወሰደልና ናይ ስራሕ መዓልቲ ድማ 32 መዓልትታትእዩ።
  • ኣብ ኣቡነፃሃማ ገዳም 2 ኪሜትር  ቆረፃ ዝተሰርሐ ምኳኑ
  • ሕብረት =  ጠቅላላ ዝተሰረሐ ንውሓት መንገዲ 15 ኪ/ሜ ናይ መሬት ቆረፃ(excavation) ዝተሰረሐ ኮይኑ ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ዝተሰረሐ መፋስስ ወይ dich 13 ኪ/ሜ፡ side sliop 13 ኪ/ሜ፡ back slop 13 ኪ/ሜ ዝተሰረሐ ኮይኑ ንዙይ ንምስራሕ ዝወሰደልና ናይ ስራሕ መዓልቲ ድማ 37 መዓልትታት ወሲዱ እዩ

2.ፋይናንስዝምልከት

  • ኣታዊ
  • ካብ መንግስቲ ሰራሕተኛ = 144415 ብር
  • ካብ ጣብያታት = 499,915 (ማይጨቀምጠ=231715፡ሕብረት=268200)
  • ካብ ተወለድትን ፈተውትን = 3,819,932 ብር
  • ካብ ካልኦት ሓገዛት = 499,915 ብር 

ድምር = 4964177 ዝተኣከበ እንትከውን

  • ወፃኢ
  • ደመወዝ ኦፕሬተራትን ካልኦትን = 532700 ብር
  • ዕድጊት መለዋወጢ ኣቁሑት(spare) = 793,340 ብር
  • ዕድጊት ነዳዲ = 2,819,651  ብር 
  • ዕድጊት በራሚል መትሐዚ ነዳዲ = 50, 000 ብር
  • መፅዐንን መራገፍን = 71,320 ብር 
  • ካልኦት ወፃኢታት = 54,226 ብር

ድምር= 4,321,237 ብር

  • ቀሪ = 642,940 ብር

ናብ ኢድ ወይ ኣካውንት ዘይኣተወ ኣብ ጣብያታት ዝተኣከበ

  • ሰርዐ = 163,000
  • እንዳጭዋ = 85,000
  • ማእከላዊ = 4000

ድምር = 252000

ጥንካረታትንድኽመታትን

ጥንካረታትን

  • ዋላ ዘይተወደአ ይኹን ማለት እውን ናይ finishing ስራሕቲ ዝቀርዮ እንተኾነ ብትልምና መሰረት ብፅሬትን ፅፈትን ዝስራሕ ምህላው
  • ኣጠቃቅማ በጀትን ግዜን ብዝሐሸ ደረጃ ክባሃል ዝኽእል  ፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ኮሚቴ እናተናበበን እናተረዳደአን ዝኸድ ዘሎ ምኻኑ 
  • እቲ ልምዓት ብመንግስቲ ሰራሕተኛታት፡ ጣብያ ኣመራርሓን ቤት ምኸሪ ወረዳን ዝተጎብነየን ዘበረታትዕ ድጋፍን ሞራልን ተረኺብሉ እዩ። በተለይ ኣባላት ቤት ምኽሪ ከባቢ 20 ሽሕ ድሕሪ ዑደት ኣስተዋፅኦ ብምግባር ሓገዞምን ድጋፎምን ዝገለፁ ምኻኖም
  • ዓብዪ ኮሙቴ ምስ ምምሕዳር ካቤኔ ዝተዋደደ ሓደ ልኡኽ ጉጅለ ብምዉዳድ ኣብ መቀለ ምስ ዝርከብ ን/ኮሙቴን ተወለድትን ፈተዉትን ዓዲ ብምትሕብባር ኣብ ክልል ምስ ዝርከቡ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ብምዝርራብ 10,000 ሊትር ነዳዲ ክርከብ  ምኽኣሉ 
  • እቶትኣብምእካብዘሎጠንካራጎኒ
  • ኣብ ምጅማር እቲ ልምዓት ብቴሌቭዥን ብምፍላጥ ኩሉ ፈታዉን ተወላድን ዓዲ ግንዛበ ከሕድር ብምግባር እጃሙ ክዋፅእ እናተገበረ ምህላዉ
  • ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተወለድትን ፈተዉትን ዓዲ ኮሙቴ ብምቋም ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዝነብር ተወላዲ ነዚ ልምዓት ብዝለዓለን ተወፋይነትን እቶት ክእከብ እናተገበረ ምህላዉ
  • ብዝ/ዩ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ፕላት ፎርምታት ኣብ ዉሽጥን ወፃእን ዝርከብ ተወላድን ፈታዉን ዓዲ በቢ እዋኑ እናተራኸበ እቶት ዝእከበሉ መንገዲ ዘተ ምክያድ።
  • ብፍላይ ኣብ መቀለ ዝርከብ ንኡስ ኮሙቴ ስርሑ ገዲፉ እዚ ልምዓት ክቀላጠፍን ክስራሕን ብዝ/ዩ መንገድታት ተወለድትን ፈተዉትን ዓዲ ብምርካብ እቶት ንኽእከብ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ምዃኑ
  • ናይ ዶዞር ጫማ ልዕሊ 250  ሸሕ ብነፃ ካብ ሰንተራል ተወሂቡና ኣሎናይ  ዶዘር  ሆዝ  ኣየር መፃረይ  ካብ TDF   ልዕሊ 25 ሽሕ ዝግመት ብነፃ

 3, ድኹምጎንታት

  • ✔  ኣብ ጣብያ ማ/ጨቀምጠ ዝተሰረሐ ቆረፃ መሬት(structure) ክስተኻኸል ዝግባእ ነገር ምህላዉ።ኣብነት
  • ➡ ኣብ ሓደ ከባቢ ብጣዕሚ ፀቢብ ከርቭ ምህላዉ
  • ➡ ኣብ ከባቢ ማይ ሙንጉዳ ዝባሃል ቦታ ነዊሕን ቀጥ ዝበለ ዓቀበት ምህላዉ
  • ➡ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት መፋስስ ዘይተሰረሐሉ ወይ መፋስሱ ናበይ ምዃኑ ዘይፍለጥ ምዃኑ
  • ✔ኣብ ጣብያ ማ/ጨቀምጠ ክስራሕ 32 ናይስራሕመዓልትታት፣ሕብረትድማ 37 መዓልትታትምዉሳዱ ግዜኻ ብኣግባቡ ዘይምጥቃም ዝነበረ ምዃኑ
  • ✔ ኣብ ዝተሰረሓ ክልቲኤን ጣብያታት እስካዕ ሕዚ ሎደርን ሻወር ትራኬን ብምምፃእ ሓመድ ክድግደግ ዘይምኽኣሉን ፎርድ ዘይምስርሑን ስላብ ዘድልዮም ቦታታት ዘይምስረሖምን ማይ እንተወቂዑ እቲ ፅርግያ ክሽርሸርን ካልኣይ ኪሳራ ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑ
  • ብሓፈሻብዝተፈላለየምኽንያታትግዜክወስድምኽኣሉንኣብዝተረፋጣብያታትእስካብሕዚስራሕዘይምጅማር
  • እቶትኣብምእካብዘሎድኹምጎኒ
  • ኣብ ኩለን ጣብያታት ክንድቲ ዝድለን ብትልሚ መሰረትን እቶት ክዋፃእ ዘይምኽኣሉን ምዉፃእ ዝጀመራ ጣብያታት እዉን ማሽን ናብ ጣብያና ከይኣተዋ ገንዘብ ንኮሙቴ ኣይንህብን ኣብ ኢድና እዩ ዝፀንሕ ዝብል ኣተሓሳስባ ምህላዉ
  • ኣብ እ/ፃሕማ ዝርከብ ዓብዪ ኮሙቴ እቲ ስራሕ ክስራሕ ስርሑን ናብሩኡን ገዲፉ ክትትልን ደገፍን ዝገብር ዋላ እኳ እንተኾነ እቶት ኣብ ምእካብ ግና ዝደኸመምዃኑ
  • ካብኔ ምምሕዳር እ/ፃሕማ ኩሉ እኳ እንተዘይኮነ ብፍላይ ኣብ ጣብያታት ክእከብ ዝግበኦ ገንዘብ ኣብ ምእማንን ምእካብን ክንድቲ ዝድለ ሓጋዛይ ዘይምዃኑ
  • ብሓፈሻ ኩሉ  ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ተወላዳይ ኣብዚ ልምዓት እዚ እጃሙ ከዉፍን ዓሸርኡ ከዕርፍን ኣብ ምግባር ዝተርፍ ምዃኑ 
  • ካብ ዝሓሰብናዮ ዝተለምናዮ ወፅኢ ኣጀንዳታት ምድርዳር  ትርንኽ ምህላው።

       ዘጋጠሙፀገማትንመፍትሕታቶምን

✔ ሕፅረት ነዳዲ :- ከምዝፍለጥ እዚ ፅገና ፅርግያ ጣብያታት ዝለዓለ ወፃኢ ካብ ዘዉፀአሎም ነገራት ሓደ ነዳዲ እዩ።ኣብ ስራሕቲ ፅርግያ ኣብ ምስራሕ ዝርከባ ማሽናት 3 እንትኾና ኣብ መዓልቲ ዝወስደኦ ነዳዲ ድማ እታ ሓንቲ ማሽን ኣብ መዓልቲ ክልተ በርሚል እትወስድ እተን ክልተ ድማ ሓደ ሓደ በርሚል ኣብ መዓልቲ ይወስዳ። ስለዚ እዘን ማሽናት ኣብ መዓልቲ 4 በርሚል ነዳዲ ይዉዳኣ። ዓድና ምስቲ ገጢሙዋ ዘሎ ፖለቲካዊቀዉሲተተሓሒዙ እኹል ነዳዲ ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ እቲ ዓብዪ ኮሙቴ ምስ ምምሕዳር ካቤኔ ዝተዋደደ ሓደ ልኡኽ ጉጅለ ብምዉዳድ ኣብ መቀለ ምስ ዝርከብ ን/ኮሙቴን ተወለድትን ፈተዉትን ዓዲ ብምትሕብባር ኣብ ክልል ምስ ዝርከቡ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላት ብምዝርራብ 10,000 ሊትር ነዳዲ ክርከብ ዝኸኣለ እንትኸዉን እዚ ድማ ኣቋሪፁ ዝነበረ ፅገና ፅርግያ ጣብያ ሕብረት እስካዕ ሕዚ ከስርሕ ክኢሉ እዩ።

ይኹን እምበር ሕዚ እዉን እቲ ነዳዲ ስለዘቋረፀ ካብ ዕለት 22(7)2017 እቲ ስራሕ ኣቋሪፁ ይርከብ። 

👉 ሕዚ እዉን ምስ ዞባን ክልልን ምዝርራብ ዘድልዮ ጉዳይ ስለዝኾነ ካብ ምምሕዳር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ደብዳቤ ዝተፀሓፈ እንትኸዉን  ከምቲ ልሙድ ኣብ ክልል እትርከቡ ፈተዉትን ተወለድትን ዓድን ኣድላዪ ዘበለ ምትሕብባር ክትገብሩ ፃዉዒትና ነቅርብ።

ሕፅረትፋይናንስ:- እዚ ፅገና ፅርግያ ጣብያታት ተሰሪሑ ሕ/ሰብ ዝግባእ ግልጋሎት ክረክብ ዝኽእል እኹል ዝኾነ እቶት እንትህሉ እዩ።ኣብዚ ክንርድኦ ዝግበአናገና ስራሕቲ ፅገና ፅርግያ ገና ዘይተጀመረለን ጣብያታት ከም ሰርዐ : እ/ጭዋ : ማ/ላዊ :ፃኢ :ዓረና : ከተማ ዕ/ዓርቢ ዝመሳሰላ ኣለዋ ከምኡ እዉን እተን ተሰሪሐን ዘለዋ ክልተ ጣብያታት እዉን ናይ መሬት ቆረፃ(strcture) ዳኣምበር እቲ ዝዓበየ ስራሕን ዝለዓለ ወፃኢ ዝሓትትን ሓመድ ምድግዳግ :ስላብ ምስራሕ : ፎርድ ምስራሕ ዝመሳሰሉ ስራሕቲ ገና ስለዘይተጀመሩ ካቤቲ ቅድመ ሕዚ ዘዉፃእናዮ ወፃእታት ዝለዓለ ወፃእታት ዘድሊ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

        👉ስለዚ እቶት ዋና ዓንዲ ሑቀ እዚ ስራሕ ብምዃኑ ኩሉ ፈታዉን ተወላድን ዓዲ ኣብ ርሑቁን ቀረባን ዝርከብ ካሊእ ትርፊ ዘረባታትገዲፍና ከባብያዉነትዝባሃልሕማምኣወጊድናከምወረዳብምሕሳብኩሉዝዓቅሙዓሸርኡዘዕርፈሉኩነታትክንፈጥርይግባእ።ብፍላይ ኣብ መቀለ : ኣዲስ ኣበባ :ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ዝርከቡ ተወለድቲ ቴሎቶን ብምድላዉ እቶትና ዝድንፈዐሉ መንገዲ ክንፈጥር ይግባእ።

ኣብዚ ጉዳይ ዓድና ከም ንህቢ ዓሲልና ፋይናንስ ባዕልና: ማሃንድሳት ባዕልና : ሰብ ሞያታት ባዕልና : መዓልታዊ ሰራሕተኛ ባዕልና : መሪሕነት ባዕልና : ብሓፈሻ ባዕልና ንባዕልና ለይትን ቀትርን ደዉ ኢልና ዝጀመርናዮ ስራሕ ዕላምኡ ክወቅዕ ክንሰምር ይግባእ።

ኣብሰራሕተኛታትኦፕሬተርኣብሓደሓደብቅንዕናንምግልጋልድልዋትዘይምዃንን ምኽንያታት እናፈጠርካ ስራሕ ክተኣጓጎል ምግባር ዝረአ እንተነበረ በቢ እዋኑ ኣብ ዝተገበረ ክትትልን ገምጋምን እናተመሓየሸ መፂኡ እዩ።

ኣብማሽናትዘጋጠሙብልሽት :- ብፍላይ ኣብ ግሪደር ዝተባሃለት ማሽን ክሳብ ሕዚ 3ተ ግዜ ፅገና ዝተገበረላ እንትትኸዉን ልዕሊ 700,000 ብር ወፃኢ ገይራ እያ። እዚ በቲ ኮሙቴ ዝተሸፈነ እንትኸዉን ምስ ናይዛማሽን ኦፕሬተር ሰራሕተኛ ብዝተፈላለዩ ጉድለታት ማለት እዉን ብቅንዕኛ ዘይምስራሕ:ሰራሕተኛታት ኣአዲምካ ደመወዝ ወሱኹና እናበልካ  ስራሕ ክተኣጓጎል ምግባር ዝብል ገምጋም ተገምጊሙ ምንባሩ ተተሓሒዙ ተደጋጋሚ እዛማሽን ፅገና ምሕታታ ኮነ ኢሉ ክትባላሾ ይገብር ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ክነሕድር ገይሩና እዩ።

ብፍላይ እዚ ናይ መወዳእታ ዘበላሸወቶ ኣቃሓ ኖዝል 6ቲኡ ብሓደ ምብልሻዉ ተተሓሒዙ ካብ መካኒካት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እቲ ኦፕሬተር ሓደ ወይ ክልተ ወይ ሰለስተ ክሳብ ዝበላሾ ሓበሬታ ዘይህብ ኩሉክሳብ ዝበላሾ ከመይ ኢሉ ስቅ ኢሉ ዝብል ሓበሬታ ምርካብና ጥርጣረና ክዓቢ ገይርዎ እዩ።ይኹን እምበር ጭብጢ ዘለዎ መረዳእታ ብዘይ ምርካብና ዝወሰድናዮ ስጉምቲ የለን።

👉ኣብዛ ማሽን እዚኣ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ግና ሕዚ እዉን ክትስተኻኸል ብዘይ ምኽኣላ ካሊእ ማሽን ክትቅየር ሕቶና ብዝምልከቶ ኣቅሪብና ኣለና። 

መደምደምታ

ብሓፈሻ እዚ ፅገና ፅርግያ ተወዲኡ ኣዴታት ኣብ ሕርሲ ዘጋጥም ሞት ክቅንስ : ሓረስቶት ፍርያቶም ብእዋኑ ኣብ ዕዳጋ ክበፅሕን ኮታስ እቲ ዝሓሰብናዮ ዕላማ ሽትኡ ክወቅዕ እቶትና ክድንፍዕ ይግባእ።እቶትና ክድንፍዕ ድማ ናይ ሓደን ክልተን ሰብ ስራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ፈተዉን ተወላድን ዓዲ ዓሸርኡ ከዕርፍን በቢ ዘለዎ ኮይኑ ግንዘበ ክፈጥርን ነዚ ልምዓት ከተዓናቅፉ ካብ ዝኽእሉ ፀቢብነት ከባብያዉነትን ኣነ ይፈልጠልካ ካብ ዝብሉ ኣተሓሳስባታትን ወፂና ብሓደ ሰሚርናን ሓቢርናን ጠንኪርናን ክንረባረብ ይግባእ።    

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Close Search Window