ብ መሰረት ሓፂር ሪፖርት ኮሚቴ መሰረተ ልምዓት ፅገና ገጠር መንገዲ እንዳባፃሕማ ተበጊስና ካብ ዝተዛተናሎም ዛዕባታትን ዘቐመጥናዮም መፍትሒታትን።
ካብቶም ዝተፈፀሙ ዘተባብዑ ጉዳያት፡
ማይጨቀምጠ = ጠቅላላ ዝተሰረሐ ንውሓት መንገዲ 15 ኪ/ሜ ናይ መሬት ቆረፃ(excavation) ዝተሰረሐ ኮይኑ ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ዝተሰረሐ መፋስስ ወይ dich 11 ኪ/ሜ፡ side sliop 11 ኪ/ሜ፡back slop 11 ኪ/ሜ ዝተሰረሐ ኮይኑ ንዙይ ንምስራሕ ዝወሰደልና ናይ ስራሕ መዓልቲ ድማ 32 መዓልትታት እዩ።
ኣብ ኣቡነፃሃማ ገዳም 2 ኪሜትር ቆረፃ ዝተሰርሐ ምኳኑ
ሕብረት = ጠቅላላ ዝተሰረሐ ንውሓት መንገዲ 15 ኪ/ሜ ናይ መሬት ቆረፃ(excavation) ዝተሰረሐ ኮይኑ ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ዝተሰረሐ መፋስስ ወይ dich 13 ኪ/ሜ፡ side sliop 13 ኪ/ሜ፡ back slop 13 ኪ/ሜ ዝተሰረሐ ኮይኑ ንዙይ ንምስራሕ ዝወሰደልና ናይ ስራሕ መዓልቲ ድማ 37 መዓልትታት ወሲዱ እዩ::
መጀመርታ እቲ ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሐ ዝምስገን ስራሕ ብምንኣድ ናብ ቀፀልቲ ስራሕቲ ዘድልዮም ጉድለታት ምልላይ ተአትዩ።
ካብ ኣባል ተክኒካዊ ኮሚተ አይተ ግርማይ፣ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ገብረ ዝቐረበ ዝርዝር መብራህርሂ መበገሲ ተወሲዱ እዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ማሕለኻታት ተገይሮም ተነጺሮም።
1. ብ ሰንኪ ሕፅረት ነዳድን ሰኣን ፅገና ዶዘራትን ግሬደራትን ኣብ ሓፂር ግዘ ክዛዘም ዝግብኦ ስራሕቲ ማይጨቐምጠን ሕብረትን ተግዋቲቱ።
2. ኣብ ኣመራርሓ ጣብያታት ዝርኣይ ምጥርጣርን ትሑት ተሳትፎ ምንቃሕ ሕብረተሰብን።
3. ዘለካ ሃፍቲ ብ መሰረት ፕላን ዘይምኻድን ካብ ትልሚ ወፃኢ ተወሰኽቲ ስራሕቲ ን ተወሳኺ ወፃኢታት ምቅላዕ።
4. ድሩት ኢድ ኣታውነት መንግስትን ዓለም ለኻውያን ተራድኦ ኣካላትን ምህላው።
5. ኣብ መላእ ትግራይ ዝነብሩ ተወለድትን ፈተውትን እቲ ኸባቢ አብዚ ፕሮጀክት ክሳተፉ ኣብ ምግባር ዘሎ ትሑት ኣፈፃፅማ።
6. ሕፅረት ተክኒንካዊ ብቕዓትን ትግሃትን ዘለዎም መሃንድሳትን መሽን ኦፐረተራትን
መፍትሕታት፤
1. ንፁር ትልሚ ምሓዝ።
በዚ መሰረት ድማ ክሳብ ሰነ 1፡ 2017 ዓም ምሉእ ስራሕቲ ክፍፀም ከምዝግባእ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ። ብ ምኽንያት ሰነን ሶንይን ድሕሪ
ምእታው ክረምቲ መብዛሕቲኡ ሕብረተሰብና ኣብ ማሕረስ ስለዝዋፈርን እቲ ስራሕቲ ፅገና ፅርግያ እውን ኣብ ሓደጋ ውሕጅ ስለዝቃላዕን ቅድሚ ሰነ 1 ክዛዘም ከምዘለዎን ነዚ ዝርዝር ኣፈፃፅማ ድማ ተክኒካዊ ኮሚተ ረቂቕ ፕላን ሪቫይዝ ክገብርን ኣብ ቀፃሊ ክልተ ሰሙን ዕላዊ ክግበር።
2. ስራሕቲ ካብ ትልሚ ወፃኢ ከይከዱ ምቁፅፃርን ወፃኢ ቀነስቲ ዝበሃሉ ስራሕቲ ክስርሑ ብ ወገን ከንቲባ ክትትል ክግበረሉ ከምዝግባእ
3. እቶት ንምውህላል፤ መንግስታውያን ቤት ፅሕፈትን ተራድኦ ትካላትን ዘሳትፍ ተሌቶን ብ ጨንፈር መቐለ ኣዳላውነት ክሳለጥ።
4. ን መሽን ኦፐረተራት ን ሰብ ሞያ ፅገና እተን መኻይን (መሽን) ዝምልከት ተወሰኽቲ ሰብ ሞያ ንምሕራይ ኩሉ
ተሳታፊ ዝፈልጦም ክኢላታት ናብ ኢመይልና contactedagaarbi@gmail.com ክልእኽ በዚ ዝተውሃበ ሓበሬታ መሰረት ምስ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ምርድዳእ ብምግባር ተወሰኽቲ ክኢላታት ክቑፀሩ ምግባር።
5. ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሐ ስራሕቲ ጠቕላላ ብ ጉልበት፤ ንዋይን ገንዘብን ዝተዋፅአ እሞ ድማ በቲ ዝተሰርሐ ፅገና መንገዲ ተተሚኑ ከቕርብ ዝኽእል ግዱሳት ምሁራት ብ ምእላሽ ብ ጠቕላላ ግምት እቲ ዝተሰርሐ ዕዮ ክፅናዕ ምግባር (ሞኒተርን አንድ ኢቫልዩሽን ዝስንዱ ምሁራት ምስታፍ)
6. ኣብ ዓድና ብዝተፈጠረ ናይ ወሃብቲ ረድኤት ምቁራፅ ስዒቡ ዝተፈጥረ ናይ ብ ህይወት ምንባር ስግኣት ዘለዎም ሰባት ብዝኸኣልናዮ ጎና ጎኒ እዚ ፕሮጀክት ን እንህቦ ህይወት ናይ ምድሓን ሓገዝ ዝኾኑ ዝርዝር ስም ብ ከንቲባ ወረዳ ዝምራሕ ዝተመርሐ ዝርዝር ናብ እዚ ጉጅለ ክለኣኽን ብ ጨንፈር ዲያስፖራ ድማ ግዱስ ወገን ኣቶ ወልደንጉስ ኣፅብሃ ደሪቡ ክመርሖ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።