Blog

ቤት ፅሕፈት መዘገጃ ምምሕዳር እ/ፃሕማ ከተማ ዕ/ዓርቢ ምስ መዳርግቲ አካላት ብምዃን አብ ምስፍሕፋሕ ትሕተ ቅርፂ እታ ወረዳ አድሂቡ ምኽክር ዘተ /Panel Discussion / አካይዱ ።

እቲ ዘተ ቀንዲ ትኹረቱ አብ 2ተ ዓበይቲ ዋኒናት ዝገበረ ኮይኑ ሰረት ከተማና መልክዕ ንምትሓዝን ተኽሊ ንምትካልን አብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ መላእ ህዝብና ዝሳተፈሉ ዘሎ ፀገና መንገዲታት ወረዳና በፂሕዎ ዘሎ ብርክን ቀንዲ ብድሆታቱን መፍትሕታቱን ከም ዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር እፃሕማ አይተ ገብረ ተ/ሃይማኖት ገሊፆም ።

ትሕተ ቅርፂ ከተማናን ወረዳናን እንትነስፋሕፍሕ አብ ምንካይ ዋሕዚ ስደት መናእሰይ ፣ አብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ምውሓስ ፀጥታን ፣ ዕብየት ዓድን ምምሕያሽ መነባብሮ ሕ/ብን ዕዙዝ ተራ ከም ዝፃወት አይተ ገብረ ወሲኾም ሓቢሮም ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከ/ዕ/ዓርቢ አይተ ተኽሊት ብርሃነ ፤ ፀብፃብ 9ተ ወርሒ ብምቅራብ ፡ ፕላን መሰረት ዝገበረ ሓምለዋይ ልምዓት ከተማ ንምሽፋን አብ ዝሓዝናዮ ትልሚ አብ ውሽጢ 100 መዓልቲ 1176 ሚድያን 25 ሽሕ ድማ አብ ዙርያ ትካላትን ውልቀን ንምትካል ተዳሊና አሎና ፣ እዚ ቤት ፅሕፈትና ዋላ ምስ ብዙሕ ፀገማቱ ንምስራሕ ድልው እዩ ብምዃኑ ድማ አብ ምውቃብን ምብራኽን ዕብየት ከተማና ክፈጥሮ ዝኽእል ዓቕሚ ርኡይ ኮይኑ ፡ አብ ምፍጣር ስራሕ ዕድል መናእሰይን ደቂ አንስትዮን ፣ አብ ምቕያር ጽሬትን ፅባቐን ከተማና ድማ ልዑል ግደ አለዎ ኢሎም ።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብወገኖም ፤ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ፡ ነጋዳይ ማሕበረሰብና ብምትብባዕ ከተማና ንዕብየትን ለውጥን ፣ ወረዳና ማእኸል ስሕበት ኢንቨስትመን ቅልጡፍ ምዕባለን ክህልዋ ከም ዝኽእል ብምሕባር እዚ ጋህዲ ዝኸውን ድማ ቁርፀኛ /Committed / መሪሕነት እንትህሉ ከምዝኾነ ገሊጾም ።

ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እ/ፃሕማ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Close Search Window